ኣብ ከተማ እንትጮ ንስድራ ስዋኣትን ሓርበኛታት ተመለስቲ ተጋደልትን ዘሳተፈ ብኣስታት 46.7 ሚልዮን ቅርሺ ንዝስርሑ ዘለው ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ላዕለዎት ሰብ መዚ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዑደት ኣሳሊጦም።

ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ከተማ እንትጮ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ኣፍታ ከተማ ንስድራ ስዋኣትን ሓርበኛታት ተመለስቲ ተጋደልትን ዘሳተፈ ብኣስታት 46.7 ሚልዮን ቅርሺ ንዝስርሑ ዘለው መእለዪ ተፋስሳት፤ ስራሕቲ ምንፃፍ እምንን ካልኦት ንዝዕመሙ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ተኻይድሎም ኣሎ።

ኣብቲ ዑደት ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን፣ ምክትላት ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ኣተሓባበርቲ ልምዓት ከተማ ዞባ ማእኸልን ከምኡውን ኣመራርሓ ከተማ እንትጮ ተረኺቦም እቶም ፕሮጀክታት ብፅሬትን ብዝተትሓዘሎም ግዜን ይስርሑ ምህላዎም ተዓዚቦም። መብርሂ’ውን ተዋሂብዎም።

ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ወ/ሮ ኣልማዝ ገ/ፃድቕ ከምዝገለፀኦ ኣብ ከተማ እንትጮ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ተፋሰስን ምንፃፍ ፅሩብ እምንን ኣብ ፅሬትን ኣሳታፋይነትን ዝሐሸ ስራሕ ከምዘሎን ብዘይ ደጋዊ ሓገዝ ብውሽጣዊ ዓቅሚ ይስራሕ ንዘሎ ድሕሪ ምምጓስ ተጠናኺሩ ክቅፅል ይግባእ ኢለን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *