ኣብ ከተማ መቐለ 5,000 ሰባት ኣብ ውራ መሬት ሱታፌኦም ከምዘዕዘዙን ካብዚኦም እቶም 2,006ን ብኽብረቶም ንዝወረርዎ መሬት ከምዝመለሱ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረሚካኤል እኑን ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝገለፅዎ ኣብ ከተማ መቐለ 5,000 ሰባት ሱታፌኦም ዘዕዘዝሉ 250 ሄክታር መሬት ከምዝተወረረን ካብዚኦም 134.5 ሄክታር መሬት ዝወረሩ 2,006 ሰባት ብኽብረቶም ከምዝመለሱን ኣረዲኦም።

ኣፍቶም ዛጊድ ብኽብረቶም ዘይመለሱ ብሓይለ መልጢ መሬት ህዝብን መንግስትን ዝወረሩ ሰባት ብኽብረቶም ንኽምልሱ ዝተጠናኸረ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ገብረሚካኤል ካብዚ ወፃእ ኣብ ልዕሊ ዘጉባዕብዑ ኣካላት ግን ተወሳኺ ቅፅዓት ከተኣናግዱ እንተዘይኮይኖም ንዝጎበጥዎ መሬት ምምላሶም ናይ ግድን’ዩ ኢሎም።

ብሓይለ መልጢ ብላዕን ካልኦት ወገናውነትን ንዘይሕጋዊ ሕጋዊ መልክዕ ዘላበሱ ከይህሉ ኣብ ልዕሊ 90,000 መዛግብቲ መስርሕ ምፅራይ ብደቂቑ ከምዝተወገኑ ዝሓበሩ ኣይተ ገብረሚካኤል ካብዚኦም ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣተውን ብሓይሊ ዕማም ብዕምቆት ክፀፉን ክፍተሹን ኣለዎም ዝተብሃሉ 3,000 መዛግብቲ ከምዝተፈለዩን ከምዝተዓሸጉን ኣብሪሆም።

ኣብ ፋሉል ውራ መሬት ዝተሳተፉን ዝተወረረ መሬት ንኽምለስ ህዝቢ ዘርኣዮ ተበግሶን ሱታፌን ገራሚ’ዩ ዝበሉ ኣይተ ገ/ ሚካኤል እዚ ህዝባዊ መስርሕ ንቐፃሊ’ውን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *