ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ባንኪ ግእዝ ከምዝተሰበረን ኩሎም ሰነዳቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑን ባንኪ ግእዝ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከይዲ ምስረታ ዝርከብ ባንኪ ግእዝ ሐዚ ኣብ ዕላዊ ገፁ ሐዚ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ሎሚ 7 ጉንቦት 2016 ዓ/ም ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ባንኪ ግእዝ ከምዝተሰበረን ኩሎም ሰነዳቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑን ገሊፁ።

ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይን ኣካላት ፀጥታን ቅልጡፍ ሕጋዊ ሓገዞም ዝሓተተን ዝተማሕፀነ ባንኪ ግእዝ ብሄራዊ ባንክን ኩሎም ሒሳብ ዝተኸፈተሎም ባንክታትን እቲ ሕጋዊ ኣመራርሓ ዝፈልጦ ምንም ዓይነት ሕጋዊ ወፃእታት ስለዘየለን ክሳብ ዝፃረን ዝፍተሽን ኩሎም ሒሳባት ባንኪ ግእዝ ብእግድ ክፀንሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣክስዮን ዝዓደግኩም ሰብ ዋናታትን ኩሉ ዝምልከቶ ናይ ሚድያ ኣካላትን ድማ ትካሎምን ትካል ህዝብን ኣብ ምድሓን ምትሕግጋዞም ከበርኹ ንኣመራርሓ ኣተሓባበርቲ ኮሚቴ ከይዲ ምስረታ ማ/ኣ ባንኪ ግእዝ ብምጥቃስ ዕላዊ ገፅ እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ’ሎ።

(ዝኸበርኩም ሰዓብትና ኣፍቲ ዕላዊ ገፅ ባንኪ ግእዝ ካብ ሞንጎ ዘስፈሮም ዝርዝር ዜና ንገለገሊኡ ትሕዝቶ ሰጊርናዮ ዘለና ገና ንዘይተፃረየን ዕልባት ዘይረኸበን ጉዳይ ብምዃኑ ንገልፅ።)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *