ኣብ ከቢድ ጥምየት ንዝወደቐ ትንፋስ ህዝቢ ንምውሓስ ዝእንፍት ክልላዊ ኣዋጅ ምክልኻል ጥሜት ዕላዊ ኽግበር’ዩ።

-ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዞባታት ትግራይ ዝርከባ 32 ወረዳታት ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥሜት ከምዝወደቐ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ’ሎ።

ብሓፈሻ ኣብ 196 ጣቢያታት ዝርከብ ህዝቢ ኣብ አቢድ ጥምየት ምውዳቑ ስዒቡ ድርቅን ጥምየትን ንምክልኻል ክልላዊ ኣዋጅ ምውሓስ ትንፋስ ዜጋታት ዕላዊ ንምግባርን ኣንፈት ንምክልኻሉ ዝእንፍት መደረኽ ዘተ ይሳለጥ’ሎ።

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣጋጢሙ ንዘሎ ድርቅን ጥምየትን ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ዘተ ኣብ ዘሳልጥሉ ዘለው ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ሂወት ወገናትና ይቐጥፍ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ስዒቡ ሕዚ እውን ተወሳኺ ተፈጥራኣዊ ጥፋአት ኣጋጢሙና’ሎ ኢሎም።

ዛጊድ ገበርቲ ሰናይ ትካላት 20 ሚኢታዊ ጥራሕ ንፈተነ ምሕጋዝ ክንጅምር ኢና ብዝብል ምኽንያት ውሱን ሓገዝ ምሃብ ከምዝጅምሩ ከምዘፈለጥዎም ዝገለፁ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ትግራይ ኣብ ዝርከባ 32 ወረዳታት ብድምሩ 196 ጣቢያታት ህዝቢ ብኸቢድ ጥሜት ይሳቐ ስለዘሎ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ትንፋስ ዜጋታቱ ኣብ ምውሓስ ክነጥፍ ተማሕፂኖም።

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ንምብዳህ ናይ ውሽጥና ዓቕሚ ኣተሓባብሪካ ብተኣማንነት ምስራሕ ንቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ምክልኻል

ኣማራፂ ዘይብሉ እንኮ ተግባር እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *