ኣብ ኢ/ያ ግልፅን ተኣማንነትን ዘለዎ መሰጋገሪ ፍትሒ ክህሉ ከምዘለዎ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዓለምለኻዊ ገበናትን ፍትሒን ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቤት ቫን ሻክ ገሊፀን።

24 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ኣብ መላእ ዓለም ፍትሕን ተሓታትነትን ንክህሉ ብዝምልከት መግለፂ ኣብ ዝተውሃበሉ እዋን ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢልንከን ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ብዝነበረ ኩናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ወገናት ገበናት ኲናት ፣ ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ዘርኢ ምፅናትን ከምዝተፈፀመ ምግላፆም ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዓለምለኻዊ ገበናትን ፍትሒን ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቤት ቫን ሻክ ሓቢረን ።

ካብዚ በተወሳኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ንኹሉ ዝሓቁፍ ግልፅን ተኣማንነትን ዘለዎ መሰጋገሪ ፍትሒ ክህሉ ከምዝግባእን ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ብቀፃልነት ክንድግፎም ኢና ዝበላ እተን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዓለምለኻዊ ገበናትን ፍትሒን ኣሜሪካ ምክትለን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ተጣይሹ ዘሎ መስርሕ ስግግር ፍትሒ ንኹሎም ፍትሒ ዝሓቱ ወገናት ዘካተተ፣ ግልፅነት ዝዓሰሎ፣ ተሓታትንት ዘረጋግፅ ምዃኑ ክግምግሙ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሖም ከምዘለዉ ኣምባሳደር ቤት ቫን ሻክ ኣፍሊጠ እየን።

;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;

ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *