ኣብ ትግራይ ዘሎ ዋሕዚ ስደት መንእሰያትን ንዚ ስዒቡ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ መስርሕ ዝውውር ደቂ ሰባትን ይብርኽን ሓደገኛን ይኸውን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብምትሕብባር ቤት ሕሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽንን ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ትግራይ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሰብ ሞያ ፍትሕን ኣካላት ፀጥታን ኣብ ከተማ ማይጨው ሐዚ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ከምዝተሓበረ – ኣብ ትግራይ ዘሎ ዋሕዚ ስደት መንእሰያትን ንዚ ስዒቡ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ መስርሕ ዝውውር ደቂ ሰባትን ይብርኽን ኣሰካፊ እንዳኾነ ይመፅእ ከምዘሎን ተገሊፁ።

መንቀሊ እዚ ዘይሕጋዊ ስደት ብምርዳእን ብምንፃርን መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን መላእ ሕብረተሰብን ብሓባር ንምፍታሕ ክረባረቡ ከምዝግባእ ኣፍቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *