ኣብ ትግራይ ዘሎ ሃጓፍ ኣጠቓቕማ ቋንቋን ዝረኣዩ ክፍተታት ንምቅላልን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተወገነ ኣካዳሚ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ዶክተር ዳንኤል ተኽሉ ታሽዓይ ዓለም-ለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ሐዚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ትካሎም ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ዕላዊ ስርሑ ካብ ዝጅምር ንድሓር ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሃጓፍ ኣጠቓቕማ ቋንቋን ዝረኣዩ ክፍተታትን ኣብ ምቅላልን ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕን ከምዝተዓመሙ ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዘለው ቋንቋታት ንምዕባይን ንምልላይን ዓሊሙ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ምህላው ዝሓበሩ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕቑር ሃፍቲ ንምጥቃምን ንምምዕባልን ዘለዉና ቋንቋታት ብግቡእ ምርዳእን ምጥቃምን ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *