ኣብ ትግራይ ዋላኻ ተኹሲ ደው እንተበለ ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ግና ሐዚ እውን ኣብ ከቢድ ስቓይ ይርከቡ።

ባሕቲ ነሓሰ 2015 ዓ.ም

መርበብ ሓበሬታ ዘ ጋረድያን

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘ ጋረድያን ብዚሜና ቦራዛስን ኤድጋር ጉተሬዝን ዝተፃሐፈን ብስእሊ ዝተደገፈን ፀብፃብ ከምዘመላከቶ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ብዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 1 ነጥቢ 8 ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉን እዞም ኣብ ማእከል መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ወገናት ግና ሐዚ እውን ንኽነብሩ እኹል መግቢ ንምርካብ ኣይካኣሉን ክብሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተዳዕኒኑ ዝርከብ ሰፊሕ ፀገም ገሊፆምዎ ኣለዉ ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢ/ያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ነቲ ዝካይድ ዝነበረ ኩናት ብዕሊ ደው ክብል ከምዝገበሮ ዝገለፀ መርበብ ሓበሬታ ዘ ጋረድያን ይኩን እምበር ኣብ እዋን ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱን መብዛሕትኦም ድማ ብሰንኪ ሕፅረት መግቢን ክንክን ጥዕና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይሕብር።

ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ 70 ካሬ ኣስታት 7 ሽሕ ተጋሩ ኣብኡ ይነብሩ ከምዘለዉ እቲ ብዚሜና ቦራዛስን ኤድጋር ጉተሬዝ ዝተፃሐፈን ብስእሊ ተደጊፉ ዝቀረበን ፀብፃብ ዘመላከተ ኾይኑ ንኣዋርሕ ዝኣክል ናብቲ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝበፀሐ መግቢ ኮነ ካሊእ ቀረብ ከምዘየለ ኣረዲኦም።

ከብዚ ብተወሳኪ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ተመዛብልቲ ወገናት እውን ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ይነብር ከምዘለዉ ምስ ገለፁ እቶም ካብ መረበቶም ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ዝተመዛበሉ ወገናት ብስእነት ምግብ መድሓኒትን ካልኦት ቀረባትን ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝርከቡ እውን መርበብ ሓበሬታ ዘ ጋረድያን ፀብፂቡ እዩ።

ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝርከቡ ተመዛብልቲ ካብ ኣግራብ ዝወደቐ ዘርእን ፍረታትን እናአከቡ ኢና ረኪብናዮም ዝበሉ ብዚሜና ቦራዛስን ኤድጋር ጉቲረዝን ጥሜት ስለ ዘሎ ድማ ዝብላዕ ኣይነበረንን ብጥምየት ንሳቀ ኣለና ክብሉ ገሊፆምሎም እዮም ።

ዘ ጋረድያን ወሲኩ ከምዝሓበሮ ህፃናት ትግራይ ብሰንኪ አቲ ኩናት ኣብ ከቢድ ሕዱር ሕፅረት መግቢ ከምዝርከቡን በዚ ምክንያት እውን መእለያ ዘይብሎም ህፃናትን ኣዴታትን ትግራይ በብመዓልቱ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ክሳጥሑ ተገዲዶም እዮም ክብሉ ብዚሜና ቦራዛስን ኤድጋር ጉተሬዝን ኣብ ፅሕፎም ገሊፆም ኣለዉ።

;;;;;;;;;;;;;;;;;;

ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *