ኣብ ትግራይ “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን – ንዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስናና!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ መፈለምታ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝሳለጥ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ ከምዝሓበርዎ ብሽም ወፍሪ ሰማእታት ዝተጀመረ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክሳብ ባሕቲ ለካቲት 2016 ዓ.ም. ከምዝሳለጥን ካብ 4 ለካቲት ድማ “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን – ንዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስናና!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ከምብሓድሽ ሓድሽ ወፍሪ ከምዝጅምር ኣፍሊጦም።

እቲ ካብ 4 ለካቲት ዝጅመር ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብዝተወደበ መልክዑ ንምስላጥ ዘኽእል ንዚ ወፍሪ ዝመርሕ ሓይሊ ዕማም ከምዝተጣየሸን ዝርዝር መብርህን መምርሕን ከምዝወሃብ’ውን ወሲኾም ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *