“ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ዕጥቆም ንዝፈትሑን ንዝተሰናበቱን ሓዊሱ ክወሃቦም ዝግባእ መትከል እግሪ ብሰንኪ ቀረብ ሕፅረት ገንዘብ ተግባራዊ ኽገብሮ ኣይከኣልኩን።“ – ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ እግሪ ምትካል ኢትዮዽያ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ዕጥቆም ንዝፈትሑን ንዝተሰናበቱን 50 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት TDF ዝርከብዎም ብድምሩ ንኣስታት 75 ሕሽ ዑጡቓት ብእዋኑ ክወሃቦም ዝግባእ መትከል እግሪ ብሰንኪ ቀረብ ሕፅረት ገንዘብ ተግባራዊ ኽገብሮ ከምዘይከኣለ ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ እግሪ ምትካል ኢትዮዽያ ኣፍሊጡ።

ንዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን እቲ ኮምሽን ኣይተ ልኡል ሰገድ በላይነህ ብምጥቃስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮዽያ ዝተብሃለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሐዚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብጻቡ ከምዝሓበሮ ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ዕጥቆም ንዝፈትሑን ንዝተሰናበቱን 50 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት TDF ዝርከብዎም ብድምሩ ብደረጃ ሃገር ንኣስታት 75 ሕሽ ዑጡቓት ኣብ ቀዳማይ ዙር ፤ ብሓፈሻ ን371 ሺሕን 971 ዕጡቓት በብዙሩ መትከል እግሪ ንምሃብ 850 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ድሕሪ ምግላፅ ብእዋኑ ክወሃቦም ዝግባእ መትከል እግሪ ብሰንኪ ቀረብ ሕፅረት ገንዘብ ተግባራዊ ንምግባር ከምዘይተኽኣለን ከምዝተፀገሙን ኣፍሊጦም።

ኣብ ትግራይ ጥራይ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሓይልታት TDF ጥራይ ንዝተሰናበቱ 50ሽሕ ኣባላት እግሪ መትከሊ ንምሃብ 162 ሚልዮን ዶላር ዘድሊ እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ሕፅረት ጥረ ገንዘብ ንዚ ኣብ ግብሪ ከዉዕሎ ከምዘይከኣለ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ንቲ ዘድሊ ገንዘብ ናይ ምርካብ ዕድል እንተጋጢምዎ ግን ኣብ ወርሒ ጥሪ ንተፈፃምነቱ ከምዝነጥፍ ኣብሪሆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *