ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግፍዕታት ተሓታትነት ክረጋገፅ ይግባእ።

14 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግፍዕታት ተሓታትነት ክረጋገፅ ይግባእ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) እቲ ብኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ምክትል ዳይረክተር ዋሽንግተን ዝኾና ኒኮል ዊደርሼም ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዕን ኣብ ታሓታትነት ዝርአ ዘሎ ፀገምን ኣመልኪተን ዝፀሓፈኦ ስፍሕ ዝበለ ፀብፃብ ከምዘመላክቶ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ፣ ሰራዊት ኤርትራን ዑጡቓት ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበናት ኩናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ከም ዝፈፀሙ ገሊፆም እዮም ዝበላ ኒኮል ዊደርሼም ኣብ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ እውን እንተኾነ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝፀነሐ ኩናት ትግራይ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከምዝተቐትሉ ምግላፀን ዝሓበረ ሂዩማን ራይትስ ዎች እንተኾነ ግና ዝኩሉ ጨፍጫፍ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ወገናት ወሪዱ እናሃለወን ብኣንፃሩ ድማ ተሓታትነት ኣብ ዘይተረጋገፀሉን ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ንኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣገባብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይሳተፍን እታ ሃገር ዳግማይ ንኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውን ልቓሕን ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ክትረክብ ምኻና ምግላፁ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣካይዳ ከምዝኾነ ኒኮል ዊደርሼም ኣብ ፅሕፎን ኣመላኪተን ኣለዋ ።

ዘርኢ ምፅናት ተጋሩ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ እውን ይቕፅል ኣሎ ዝበለ ፀብፃብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቅዲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣይተዋፈረን ዝብል መግለፂ ምምሕዳር ጆ ባይደን ዘሰክፍ እዩ ድሕሪ ምባሉ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሰነ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ወፍሪ ዘርኢ ምፅናት ኣጠናኪሮም ከምዝቐፀሉ ምፅብፃቡ እውን እተን ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ምክትል ዳይረክተር ዋሽንግተን ዝኾና ኒኮል ዊደርሼም ኣረዲአን ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሰለማውያን ወገናት ዝተፍፀሙ ኩሎም ዓለምለኻዊ ግፍዒታት ብመልክዕ መግለፅታት ክፍለጥ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምካኑን እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓዊሱ ግፍዕታት ንክፍፀም ትእዛዝ ዝሃቡን ዘፈፀሙን ኣካላት ክሕተቱ ከምዘለዎም እውን ተገሊፁ እዩ ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነቲ ቃል ዝኣተወሉን ግዳያትን ስድራቤቶምን ክጠልብዎ ዝፀንሑ ፍትሕን ተሓታትነትን ክድግፍ ይግባእ ዝበለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣመሪካ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ምርመርኡ ንከካይድ ክትድግፎ ከምዘለዋ ድማ ፅሑፍ ኒኮል ዊደርሼም የመላክት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *