“ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ውግእ ንዝበፅሐ ኩለመዳይ ከቢድ ሃስያ ኣብ ምቅላል ዝከኣለኒ ኽገብር’የ!” – OCHA

24 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት /UN OCHA/ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ውግእ ንዝበፅሐ ከቢድ ሃስያ ኣብ ምቅላል ትካሎም እጃሙ ከምዝፍፅም ገሊፆም።

ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት /UN OCHA/ ንዚ ዝገለፁ ሎሚ ናብ ከተማ መቐለ ምእታዎም ስዒቡ ምስ ፕረዚዳንት ጊዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታዮም’ዩ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብቅልጡፍ ብዘይምፍፃሙ ተመዛበልቲ ናብ ቤት መረበቶም ክምለሱ ዘይምኽኣሎም ከቢድ ፀገም ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *