ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 6 ቢሊዮን ብር ካፒታል መፍረይ ሓፂን ንምህናፅ ቅድመ ምድላው ከምዝወገነ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ኣፍሊጡ።

መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ኣብ ረግረግ ሕሱም ጥሜት ንዝርከብ ህዝቢ ኣበርገለን ካልኦት ከባብታትን ዝውዕል 10 ሚሊዮን ብር ብሓገዝ ኣበርኪቱ ።

መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 6 ቢሊዮን ብር ካፒታል መፍረይ ሓፂን ንምህናፅ ቅድመ ምድላው ከምዝወገነ ሎሚ ፍለጡለይ ክብል መላለይ መድረኽ ኣሳሊጡ።

ቫራይቲ ላይቲንግ ማኒፋክቸሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ብዝብል ስም ዝፍለጥን ኣብ ኣገልግሎት መብራህቲ ክነጥፍ ዝፀንሐ ትካል፣ ሐዚ ድማ ብልዕሊ 6 ቢሊዮን ብር ካፒታል መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ብዝብል ስያመ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ሃኒፁ ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።

ኣፍቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ትግራይ ንዝወረደ ኩለ መዳይ ዕንወት ኣብ ምሕዋይ ግደ ሰብ ሃፍቲ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም።

መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ብዝብል ስያመ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ሃኒፁ ብቑልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣቱን ኣብ ምንቕቓሕ ማሕበረ ቁጠባዊ ክልልና እጃሙ ክፍፅምን ምዒዶም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *