ኣብ ትግራይ መብዛሕቲኦም ሰብ ሞያ ፋይናንስ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንቐያዲ መስርሕን መምርሕን መንግስታዊ ፋይናንስ ብምግሃስ ዝፍፅም ዕድጊት ይኹን እኹል መረዳእታ ከይሓዝካ ዝግበር ኦዲትን ከቢድ ፀገም ይፈጥር ምህላዉ ተገሊፁ።

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ንልዕሊ 280 ኣመራርሓ ወረዳን ከተማን ትግራይ ዘሳተፈ ኣብ ሕገ ደንብን ቀያዲ መስርሕ ፋይናንስን ዘድሃበ መዕበይ ዓቕሚ ስልጠና ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ኣይተ ሓዱሽ ገ/መስቀልን ኣይተ ገብረስላሴ ስዩምን ከምዝሓበርዎ

ትግራይ ንዘለዋ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ዘጋድድ ካብ ቀያዲ መስርሕን መምርሕን መንግስታዊ ፋይናንስ ወፃእ ይስርሑ ከምዘለው ኣረዲኦም።

ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ዶ/ር ምሕረት በየነ ብወገነን ከምዝሓበረኦ ሰራሕተኛታት ሰብ ሞያ ፋይናንስ መንግስቲ – ንቐያዲ ፋይናንሳዊ መስርሕ ከኽብሩን ኣብ ምሕደራ ስርዓተ መንግስታዊ ፋይናንስ ርዝነት ሂቦም ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ክዋፅኡን ድሕሪ ምግላፅ ኣብዚ መዳይ ብመንግስቲ ትኹረት ተዋሂብዎ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ኣፍሊጠን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *