” ኣብ ቁሉዕ ወራር ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስቲዮ ኣሓትና ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ።

ኣብ ቁሉዕ ወራር ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስቲዮ ኣሓትና ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ “ፆታዊ ጥቕዓት መግለፂ ክብርና ኣይኮነን ብሓባር ንከላኸሎ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 18 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም . ኣብ ዝዝኽበር ዘሎ ማዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መልእኽቲ –

ኣብ ቁሉዕ ወራር ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስቲዮ ኣሓትና ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ

ተረዲአን ንሕውየተን ባዕልተን ተሳተፍቲ ክኾና ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ሕውየት ትግራይ ዝረጋገፅ ሕውየት ደቂ ኣንስቲዮ ትግራይ እንትረጋገፅ’ዩ ዝበሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስቲዮ ትግራይ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ብሕጊ ተሓተቲ ንምግባር ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝክኣሎ ኩሉ ፃዕሪታት እናገበረ ከምዝርከብ ድማ ኣብሪሆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *