ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተፈፀመ ኩናት ስዒቡ ቐዋምን ተንቀሳቓሲ ንብረቶም ተኣጊዱ።

28 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተፈፀመ ኩናት ስዒቡ ቐዋምን ተንቀስቅቕሲ ንብረቶም ተኣጊዱ ዝፀንሐ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፣ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ፣ ማሕበር ጉድኣት ትግራይን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሽድሽተ ትካላት ተደንጊጉ ዝነበረ እግድ ንክላዓል ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ንቕሉዕ ኩናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ተመሳሳሊ መዝገብ ብጥርጣረ ተኸሲሶም ፥ ተንቐሳቓስን ዘይንቀሳቐስን ንብረቶም ተኣጊዱ ዝፀንሐ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፣ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ፣ ማሕበር ጉዳት ኩናት ትግራይ ፣ ሜጋ ሕትመትን ምክፍፋልን ፣ ኣበርገለ ኢንተርናሽናል ላይቭስቶክ ፣ ደጀና ኬሚካል ሓላፍነቱ ውልቀ ማሕበርን ተኣጊዱ ፀኒሑ እዩ።

ይኩን’ምበር ሕዚ ብመሰረት ሚንስቴር ፍትሒ እቲ ኣግድ ንክላዓል ዘቕረቦ ሕቶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ነት እግድ ክላዓልን ብጊዚያዊነት ነተን ትካላት ከመሓድር ተሸይሙ ዝነበር ቦርድ ክፈርስን ስልጣኑ ክስረዝ ዝውስን ትእዛዝ ኣማሓላሊፉ ኣሎ።

ቅድም ክብል ብተመሳሳሊ ንኩናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ናይ ዝመሓደራ 21 ትካልት ንግዲ ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ንክለዓል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *