ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ክላዓል ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ !!

25 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ንኩናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ናይ ዝመሓደራ 21 ትካልት ንግዲ ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ንክላዓል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ወሲኑ ኣሎ።

ነቶም ትካላት ብጊዚያዊንውት ከመሓደር ዝፀንሐ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኮሞርሻል ኖሚንስ ዝተብሃለ ትካል ሓላፍነቱ ክላዓክልን ክስረዝን እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

ከም ፀብፃብ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ነዚ ውሳነ ዝሃበ ሚንስቴር ፍትሒ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ዝተነበረ እግድ ንክላዓልን ሓላፍነት ኮሞርሻል ኖሚኒስ ንክስረዝ ብዘቕረቦ ሕቶ ሙኻኑ እውን ተገሊፁ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *