ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ንዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥምየትን ቅልውላውን ፖለቲካዊ መልክዕ ንምትሓዝ ምፍታን ብጣዕሚ ኣሰካፊ ተግባር ከምዝኾነ ፕረዝደት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ።

ፕረዝደት ጌታቸው ረዳ ሐዚ ብመንገዲ ዕላዊ ገፅ ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ኣብ ዝተዘርገሐ መልእኽቶም ከምዝሓበርዎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ንዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥምየትን ቅልውላውን ፖለቲካዊ መልክዕ ንምትዝሓ ምፍታን ብጣዕሚ ኣሰካፍን መሕዘንን ተግባር ከምዝኾነን ፤ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን መንግስቶምን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዘለዎ ግዴታ ክፍፅም ንዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ዳግማይ መምርሒ ክህቡ ይግባእ ኢሎም ።

ሚኒስተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌደራል ዝሓለፈ ዓርቢ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ ሕጂ ማእለያ ዘይብሎም ህይወት ሰባት ዝቐተለ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ንምፍታሕ ብቕልጡፍ ጣልቃ ክኣትዉ ንፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘቕረቦ ፃውዒት ፖለቲካዊ እምበር ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ክብል ዘውፅኦ መግለፂ ዘሕዝንን ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ዝኽሕድ’ዩ ክብሉ ገሊፆም::

ሚኒስተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌደራል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ቅልውላው “ፖለቲካዊ” ገይሩዎ ክብል ምኽሳሱ ብጣዕሚ ዘሕዝን ከምዝኾነ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጌታቸው ግዳያት ንዝገብርዎ ተስፋ ዝቆረፀ ናይ ሓገዝ ኣውያት “ነቲ ቅልውላው ፖለቲካዊ ምግባር” ኢልካ ምሕሳብን ነዚ ከቢድ ቅልውላው ምንሻውን ግቡእ ከምዘይኾነ ድማ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሓቂ ግን ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ተጋሩ ንምድሓን ህፁፅ ፃውዒት ምቕራብ’ምበር ፖለቲካዊ ነገር እዩ ዘብል ምንም ነገር የብሉን ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ባይታ ዝርከባ ትካላት ረድኤት ከምኡ’ውን ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ስፍሓት ናይቲ ዝግንፍል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብሰፊሑ ከምዚሰነድኦ ዘተሓሳሰቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ትግራይ ድሕሪ ‘ቲ ኣዕናዊ ኲናት ብዘጋጠመ ድርቅን ሰብኣዊ ቅልውላውን ከምዘጋጠማ ዝተኸወለ ከምዘይኮነን እቲ ኣባይታ ዘሎ ነገር ኣካታዒ ከምዘይኮነን ኣፍሊጦም።

ብሓቂ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ

ዝተሓላለኸ ሰብኣዊ መዓት እዩ ዝርኣይ ዘሎ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው፣ ነዚ ህልቂት ዘስዕብ ዘሎ ሰብኣዊ ቕልውላው ብህፁፅ ክግታእ ዝኽእል ድማ ኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት እንኮላይ ፌደራል መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተዋደደ ፃዕሪ እንትገብሩ ጥራይ እዩ ኢሎም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *