ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝነባርነቶም ጉዱሳት ተጋሩ መፃምዲ ስነስርዓት መርዐኦም ናብ ትግራይ ብምምፃእ ምስ ሓርበኛታት ኣካለ ጉድኣት ትግራይ ኣሕሊፎም።

24 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣይተ ሚኪኤለ መስፍንን ወ/ት ብስራት ኣለሙን ዝተብሃሉ ጉዱሳት ተጋሩ ተቐማጦ ሃገረ ኣመሪካ ናብ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ስነ ስርዓት መርዐኦም ኣብ መእኸል ሕክምና ሓርበኛታት ኣካለ ጉድኣት ኣዋሽ ምስ ዝርከቡ ጀጋኑ ንምሕላፍ መዲቦም ስነስርዓት መርዖኦም ንቶም ጀጋኑ ብምእንጋድ ከምዘሕለፉዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ስነ ስርዓት መርዓና ምስዞም ጀጋኑ ብኣካል ተረኺብና ምሕላፍና ኩርዓት ተሰሚዑና ድሕሪ ምባል ሓርበኛታት ኣካለ ጉዱኣት ሰሪሖም ዝበልዕሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ትግራዋይ ክረባረብ ፀዊዖም ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *