ኣብ ሃገረ ኒውዝላንድ ዝነባርነቶም ጉዱሳት ተጋሩ ድያስፖራ ልዕሊ 3.6 ሚልዮን ብር ዝዋግኡ ሓገዝ እኽልን መጥሓኒ እኽሊ ጥረ ገንዘብን ን1,600 መራሕቲ ስድራ ብሓገዝ ለጊሶም።

እቶም ጉዱሳት ወገናት ብዝለኣኽዎ 3,666,700 ብር ወፃኢ ንዝዓደግዎ 800 ኩንታል ዑፉን ን1,600 ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ መራሕቲ ስድራ ንነፍስወከፎም 50 ኪሎ ዑፉንን 200 ብር ንመጥሓኒኡ ጥረ ገንዘበን ከምዘከፋፈሉ ኣተሓባባሪ እቲ ምክፍፋል ሓገዝ ኣይተ ደስታ ኣሰፋ ገሊፆም።

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ እንዳባፃሕማ ነበርቲ ጣብያታት ዕዳጋሓሙስ፣ፃእን ዓረናን ንዝርከቡ 400 መራሕቲ ስድራ ፤ኣብ ወረዳ የጭላ ኣበርገለ ጣብያታት ለምለምን ሓድነትን ንዝነብሩ 400 መራሕቲ ስድራ ፤ ኣብ መኾኒ ካብ ጣብያታት ሓወልትን ማርሳን ንዝተውፃእፅኡ 400 መራሕቲ ስድራ፤ ኣብ ወጀራት ዓዲ መስኖ ንዝርከቡ 400 መራሕቲ ስድራ ንነፍስወከፎም 50 ኪሎ እኽልን 200 ብር ጥረ ገንዘብን ከምዝተኸፋፈለ ዝሓበሩ ኣይተ ደስታ ኣሰፋ ንቐፃሊ’ውን ተመሳሳሊ ሓገዛት ንምብፃሕ እቶም ጉዱሳት ተጋሩ ዲያስፖራ ሃገረ ንዊዝላንድ መደብ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *