“ኣብ ሃገረ ሶማል ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሰላም ወተሃደራት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከይፍነዎም ስግኣት’ለኒ።” – መንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካ።

ኣብ ሞንጎ ሃገረ ሶማልን ኢትዮጵያን ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ስዒቡ ኣብ ሃገረ ሶማል ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሰላም ወተሃደራት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከይፍነዎም ሑቡራት ኣመሪካ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊፁ።

ሑቡራት ኣመሪካ ከምዝገለፆ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንዝኸተሞ ስምምዕ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን ርክብ እንዳሓርፈፈ ይኸይድ ስለዘሎ ኣብ ልዕሊ ሃገር ሶማል ተዋፊሮም ዘለው ኣኽበርቲ ሰላም ወተሃደራት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከይፍነወሎም ንመንግስቲ ሃገረ ሶማል ኣተሓሳሲቡ።

ንግዝኣታዊ ሓድነት ሃገረ ሶማል ብዕሊ ከምዝኣምን ዝሓበረ መንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዓሲሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብዘተ ክሃድእ ወሲኹ ገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *