ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ገዳሪፍ ፍሉይ ቦታ እምጉርጃ መጠቃለሊ በዓል ኣሸንዳን ዓይኒ ዋሪን ተኸቢሩ።

25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣብ ሃገረ ሱዳን ግዝኣት ገዳሪፍ ዝተሳለጠ በዓል ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝተረኸብሉ ኮይኑ ኣሸንዳ ንሕዉየትን ዳግመህንፀትን ትግራይ ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ተኻይዱ።

ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኩናት ካብ ካርቱም ተሰዲዶም ዘዕቀሉላ ነበር መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኾነት እምጉርጃ ዝተረኸቡ ተጋሩ ኣብቲ በዓል ተሳቲፎም እዮም።

እቶም ተሳተፍቲ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት ፅንተት ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ተሳጢሑ ይርከብ ኢሎም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ዉዕል ኣብ ተግባር ዉዒሉ ዝተሰደደ ህዝብና ብዘይወዓል ሕደር ናብ መረበቱ ክምለስ ይግባእ ክብሉ ንTMH ገሊፆም እዮም።

መደራደርቲ ኣካላትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ፀቅጢ ከሕድር ዝሓተቱ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ስደተኛታት ኣብ ምምላስን ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ኣድሂቡ ክነጥፍ ኣተሓሳሲቦም።

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ሱዳን ሰለስቲኡ መዕቆቢ ስደተኛታትን ተጋሩ ኣብ ዝርከቡለን ከተማታት ሱዳንን ስደተኛታት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ መረበቶም ንክምለሱ ብዝፅዉዕ መገዲ ይክበር ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *