ኣምባሳደራት 5 ሃገራትን ላዕለዎት ሰብ መዚ ICRC ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካልን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዑደት ኣካይዶም።

ኣምባሳደራት 5 ሃገራትን ላዕለዎት ሰብ መዚ ICRC ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ገባሪ ሰናይ ትካልን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ንዝርከብ ማእኸል ውሑስ ቦታን መሐብሐብን ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ማደኣት ብኣካል ወሪዶም ከምዝተዓዘቡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣፍሊጣ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ኣበባ ሃይለስላሰ ሐዚ ኣብ ዕላዊ ገፅ ማደኣት ኣብ ዝተዘርገሐ ዜና ከምዝገለፅኦ ብላዕለዎት ሰብ መዚ ትካል ICRC ዝተመርሑ ኣምባሳደራት ኣየርላንድ ፣ ካናዳ ፣ ነርወይ ፣ ኦስትርያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ንዝርከብ ብማደኣት ንዝውነን ማእኸል ውሑስ ቦታን መሐብሐብን ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝርከባ ብኣካል ወሪዶም ከምዝተዓዘቡ ኣረዲአን።

እተን ኣፍቲ ማእኸል ውሑስ ቦታ ዝርከባ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ፤ ብዛዕባ ዝበፅሐን ፆታዊ መጥቃዕትን ዘሕለፍኦ ስቓይን ዘሕደረለን በሰላን ፣ ብሓይልታት ፀላእቲ ንዝተትሓዘ መሬት ትግራይ ለቒቖም ክወፁ ክሰርሑ ከምዝግባእን ካልእን ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቦኦም ወይዘሮ ኣበባ ኣብሪሀን።

እቶም ኣምባሳደራትን ሰብ መዚ ICRCን በቲ ዝበፅሐ ኩለመዳይ ፀገም ከቢድ ሓዘን ከምዝተሰመዖም ዝገለፃ ወይዘሮ ኣበባ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኹለ መዳይ እቲ ማእኸል ምስተዓዘቡ ሓገዞም ንምልጋስን ንምጥንኻርን ቃል ከምዝኣተው ሓቢረን።

እቶም ኣምባሳደራት 5 ሃገራትን ላዕለዎት ሰብ መዚ ICRCን ልዕሊ እቲ ንምሕጋዝ ቃል ዝኣተውዎ ወሪዶም ብኣካል ንቲ ዝበፅሐ ፀገም ምዕዛቦም ድምፂ ንኹኾኑ ዘኽእል ዕውት ዑደት ከምዝነበረ ወይዘሮ ኣበባ ወሲኸን ገሊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *