ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ንዝተኻየደ ኩናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ገበናት ኩናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነት ንክሰፈን ግብኣ ከምትፍፅም ዳግም ኣረጋጊፃ ።

ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ፀሓፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ንኩናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ዝተፈፀሙ ገበናት ኩናትን ጥሕሰት ስብኣዊ መሰላትን ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ተሓታትነት ንክረጋገፅ ግቡኣ ክትፍፅም እያ ኢለን ።

ሞሊ ፊ ኣብ መግለፂኣን ወሲኸን ከምዝሓበረኦ ንኩናት ትግራይ ስዒቡ ኢትዮጵያ ካብ ዕድል ተጠቃምነት ናፃ ዕዳግ ኣሜሪካ ማለት እዉን ኣገዋ ከምዝተኣገደት እዚ ናይ እገዳ ውሳነ ሕዚውን ፀኒዑ ከምዘሎን ነዚ ዝልውጥ ውሳነ ከምዘይተወሰነን ኣረጋጊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *