ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ስምምዕ ከየፍረሰት ምዝርራብን ምዝታይን ዘይሕሰብ’ዩ ክብል መንግስቲ ሃገረ ሶማል ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሃገረ ሶማል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ውዕል ንልኡላውን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገረ ሶማል ዝግህስ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ ካልእ መዘዝ ከይሰዓበ ከሎ ንቲ ዘይሕጋዊ ምኽታም ከተፍርስ ከምዝግባኣ ድሕሪ ምሕናዩ ዘይሕጋውን ዘይቁቡልን ውዕሊ ከቲምካ ክትሸማገል ምፍታን ዘይሕሰብ ጉዳይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነዚ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ንቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከተሃዳድእን ከሸማግልን ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ዋላ’ኳ እንተመዘዘ ሃገረ ሰማል ንግዝኣታዊ ሓድነተይ ምስ ዝገሃሰ ኣካል ኣይዛተን ክትብል ነፂጋቶ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *