“ንግልፅነትን ተሓታትነትን ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይድ’የ።” -ድያስፖራ ትግራይ።

01 መስከረም 2015 ዓ/ም

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዕታት ንዝፈፀሙን ይፍፅሙ ዘለዉን ገበነኛታት ተሓታትነት ንክረጋገፅ ዝፅዉዕ ዓለምለኻዊ ሰልፊ ዳያስፖራ ትግራይ ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

ሓይልታተ ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ፈፂሞምን ፈፂሞም እዮም ዝበለ ውዳበ ፍትሕን ድሕንነትን ንተጋሩ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እውን እንተኾነ ተጠናኺሩ ይቕፅል ስለዘሎ ነዚ ተሓታትነት ንኽረጋገፅ ዝሓትት ዓለምለኻዊ ሰልፊ ዳያስፖራ ከምዝሳለጥ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰልፊ 15 መስከረም 2023ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ በርሊን 18 መስከረም ድማ ኣብ ለንደን ከምዝካየድ እዩ ውዳበ ፍትሕን ድሕንነትን ንተጋሩ ዝሓበረ።

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሰልፊ ዳያስፖራ ትግራይ ጉጅለ መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዕድመ ስርሑ ንክናዋሕ ዝፅውዕ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሰልፊ ኩሉ ዳያስፖራ ትግራይ ክስለፍ ድማ ፃውዒት ቐሪቡ ኣሎ ከምፀብፃብ ድወት።

#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *