“ንዓማዊለይ ኣለቂሕዮም ካብ ዝነበረኩ ልቓሕ ንወለዱ ሙሉእ ብሙሉእ ምሕረት ገይረሎም ኣለኹ።” – ትካል ዕቋርን ልቓሕን ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት።

ትካል ዕቋርን ልቓሕን ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ንዓማዊሉ ኣለቂሕዎ ካብ ዝነበረ ልቓሕ ክረኽቦ ዝነበረ ወለድ ሙሉእ ብሙሉእ ምሕረት ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።

ትካል ዕቋርን ልቓሕን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ንደመምበኛታቱ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣለቂሕዎ ካብ ዝነበረ ልቓሕ ናይ ወለድ ምሕረት ክትገብር እናሰርሐት ከምዝፀንሐት ዝገለፁ ኣካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ዝተለቕሕዎ ልቓሕ ክኸፍሉ ዝግብኦም ግን ድማ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት በቢ ደረጅኦም እናተርኣየ ወለድ ምሕረት ብምግባር ክኸፍሉ ከም ዝግበር ሓቢሮም።

ኣብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ 50 ሚኢታዊ ምሕረት ወለድ ተገይሩ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሙሉጌታ ሐዚ ድማ ካብ 2014-2015 ዓ.ም ኣብ ዘነበሩ ዓመታት ዝነበረ ወለድ 100 ሚኢታዊ ምሕረት ከም ዝተገበረ ገሊፆም።

እዚ ምሕረት ወለድ ዝተገበረ ‘ውን ኣብ ምግዳል ንዘለውን ብኽብሪ ንዝተመለሱን ኣባላት ፀጥታ ከም ዘካትት ድማ ግልፂ ገይሮም ከም ፀብፃብ ድወት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *