ናሽናል ፕሮጀክት ኢማጅን ዋን ደይን ዩኒሴፍን – ዝተብሃሉ ትካላት ብልዕሊ 230 ሚሊዮን ብር በጀት ኣብ ዝተፈላለዩ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ከምዘሳልጡ ኣፍሊጦም።

ዳይሬክተር ናሽናል ፕሮጀክት ኢማጅን ዋን ደይ ኣይተ ሓለፎም ገዛኢ ሎሚ ብዛዕባ እቶም ዝሳለጡ ፕሮጀክት ብዕሊ ኣብ ዘፋለጥሉ መድረኽ ከምዝገለፅዎ ብልዕሊ 230 ሚልዮን ብር በጀት ምስ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ኣብያተ ትምህርቲ፣ኣብ ምድሓን ህፃናትን ኣብ ጥቅዓት ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ከምዝሰረሑ ኣብሪሆም።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ብወገኖም ኣብ ትምህርቲ ዝበፅሐ ዕንወት ፣ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ስርዓት ትምህርትን ኣብ ማሕበረሰብ ትምህርትን ገዚፍ ዕንወት ስለዝበፅሐ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት’ውን ኣሰር እዞም ትካላት ክስዕቡ ፀዊዖም ኣለው ከም ፁብፃብ ድወት።

All reactions:

8383

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *