“ነንባዕልና ምብልላዕና ንፀላኢ ዕድል ፈጢሩ እዩ ።” -ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ከምዝገለፅዎ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝፈጠሮ ዕድል ፀንቂቕና ኣይተጠቐምናሉን ፤ ነንባዕልና ምብልላዕና ንፀላኢ ዕድል ፈጢሩ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

24 ጥሪ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ቆፀሮ ሒዝና ኣለና እቲ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ውዕል ፕሪቶርያ እንታይ ተፈፂሙ እንታይ ከ ኣይተፈፀመን ክንርእይ ኢና ዝበሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ፌዴራል መንግስቲ ንሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ብመሰረት ሕገ-መንግስትን ውዕሊ ፕሪቶርያን ክምልስ ይግበኦ ኢሎም።

ተፈናቓላይ ናብ መረበቱ ዘይተመለሰ ብዕንቕፅና ፀላኢ ጥራሕ ዘይኮነ’ስ ብናይባዕል ስንፍና እዩ ዝበሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ዝዕፀፍ በጀት ኩሉ ዓፂፍና ንተፈናቐላይ ንምሕጋዝ ከነውዕሎ ኢና ክብሉ ኣረዲኦም።

ውድብ ህውሓት ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ትግራዋይ ኣላ ፤ ኩሉ ብናተይ መንገዲ ኢያ ትድሕን እዩ ዝብል’ምበር ህውሓት ትጥፋእ ዝብል ኣካል የለን ድሕሪ ምባል ከም ህዝቢ ትግራይ ዝተወደበን ብምውዳቡ ድማ ልዕሊ ቁፅሩ ዝሰርሕ ህዝቢ ስለዘየለ ሓድነትና ከነስጥም ይግባእ ፤ ኩሉ ነገር ኣብ ናይ ውሽጥና ጥንካረን ድኽመትን እዩ ዝድረኽ ክብሉ ኣብሪሆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *