ቻይና ኣብ ልዕሊ 12 ኩባንያታት ሑቡራት ኣሜሪካ እገዳ ኣንቢራ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ 12 ኩባንያታት ሑቡራት ኣሜሪካ እገዳ ኣንቢራ ዘላ እተን ኩባንያታት ኣብ ቻይና ንብረተን ከየንቀሳቕሳ፣ ኣካየድቲ ስራሕን ዋናታትን እተን ኩባንያታት ናብ ቻይና ከይኣትውን ምስ ዜጋታት ቻይና ዝኾነ ይኹን ልውውጥ ንግዲ ከይገብራን ዝድርት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ 12 ኩባንያታት ኣፍረይቲ ኣፅዋር ኣሜሪካ እገዳ ኣንቢራ ዘላ ኣብ ቀረባ እዋን ንሩስያ ትድግፍያ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ቻይና ንዘንበረቶ እገዳን ንታይዋን ደገፍ ኣፅዋር ምግባራን ስዒቡ ዝተወሰደ ዓብይ ፅፍዒት ግብረመልሲ’ዩ ክትብል ኣፍሊጣ’ላ።

ቁፅሪ ሓደን ክልተን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዓለም ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ነንሕድሕደን እገዳ ምንባር እዚ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ቻይና ሎሚ ዘንበረቶ እገዳ ክሂድ ማርቲን፣ ጀነራል ዳይናሚክስን ራይቲዮንን ካብሞንጎ’ቶም ብእገዳ ቻይና ዝተሃስዩ ኣፍረይቲ ኣፅዋር ኣሜሪካ ገሊኦም ከምዝኾኑ ገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *