ትእምት ንስድራ ስውኣት ዘድሊ ሓገዝ ክገብር እዩ ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ።

29 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ኣይኮነን ብመስዋእቲ ደቅኹም ዝመፀ ሃፍቲ ትእምት ካልእ እውን ስድራ ስዉኣት ከድግፍ ግቡእ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም እዮም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘረበኦም ።

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ብሰንኪ ኩናት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ንስድራ ስዉኣት ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ንምጅማር ዓሊሙ ኣብዘሳለጦ ዘሎ ዋዕላ ተረኺቦም ከምዝገለፅዎ ንስድራ ስውኣት ኣብ ምሕጋዝ ኣይኮነን ብመስዋእቲ ደቅኹም ዝመፀ ሃፍቲ ትእምት ካልእ እውን ከድግፍ ግቡእ እዩ ክብሉ ገሊፆም ።

ትእምት ካብ ዝገብሮ ሓገዝ ብተወሳኺ ግዝያዊ ምምሕዳር ንስድራ ስውኣት ዘድሊ ሓገዝ ክገብር እዩ።

ንቀፃሊ ትግራይ መስዋእቲ ኣሽሓት ትኸፍለሉ ኩነታት ብምትራፍ መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ኢና ድማ ኢሎም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *