“ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጒ ፈፃሚኡ ተፈሊጡ’ሎ።” – ፖሊስ

19 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ትማሊ ለይቲ ኣብ ቤት መስተ ዳዕሮ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ነታጒ ስዒቡ 4 ሰባት ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ ከለው ኣብ ልዕሊ 20 ወገናት ድማ ከቢድን ፎኲስን መጉዳእቲ ከምዝበፅሐ ተረጋጊፁ።

ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ተጋዳላይ የማነ ኪዳነማርያም ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቤት መስተ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 8:30 ሓደ ዕጡቕ ምፍንጃር ነታጒ ኮነይ ኢሉ ከምዝፈፀመን ቀንዲ ናይዚ መበገሲ ድማ ንቲ ገበን ዝፈፀመ ሰብ ጓልኣንስተይቲ መቕርቡ ( ዓርኩ) ኣብቲ እንዳ መስተ ምስ ካልእ ሰብ ክትዘናጋዕ ምርኣዩ ስዒቡ ንቲ ገበን ከምዝፈፀሞ ሓቢሮም።

መንነት ገበን ፈፃሚ ኣካል ተፈልዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓል መስርሕ ክትትል ይሰላሰል ከምዘሎ ዝሓበሩ ተጋዳላይ የማነ እቲ ውልቀ ሰብ ምስቲ ለይቲ ንቲ ገበን ምፍፃሙ ስዒቡ ንጊዚኡ ተሰዊሩ ኣብ ከተማ መቐለ ተሓቢኡ ከምዘሎን ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

# ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *