ተጋሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቲክቶክ ምስ ካልኦት ግዱሳት ተጋሩ ብምትሕብባር 8 ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝግመት እኽሊ ንህዝቢ ወጀራት ሓጊዞም።

ተጋሩ ነጠፍቲ ቲክቶክ ምስ ግዱሳት ተጋሩ ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት ንዝርከቡ ግዳይ ሓደጋ ድርቂ ንሓደ ሽሕ ወገናት ነብሰ ወከፎም 15 ኪሎ እኽሊ ብሓገዝ ኣከፋፊሎም።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ነበርቲ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ድራር ለይቲ ስእኖም ፆሞም እናሓደሩ ከምዝረከቡ ብምሕባር እቲ ዝረኸብዎ ሓገዝ ንዘለዎም ግዚያዊ ፀገም ከምዘቃልለሎም ብምግላፅ ንሓገዝቲ ኣመስጊኖም።

ነቲ ሓገዝ ካብ ዘረከቡ ተጋሩ ነጠፍቲ ቲክቶክ መንእሰይ ዳንኤል ካሕሱን ንእስቲ ሰላም ኣጥናፉን እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ተጋሩ ዝተኣኻኸበ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ሓገዝ ንቑርብ ማዓልቲ ንክዕንገሉ ሓሲቦም ዝገበርዎ ከምዝኾነን እዚ ሰናይ ተግባሮም ድማ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣረዲኦም።

ኣማሓዳሪ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ኣይተ ተስፉ ሃፍተ ብግዲኦም ሎሚ ዘበን ኣብ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ኣብ ዝኾነ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ምኻኑን በዚ ምኽንያት 89 ሚእታዊ ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ከምዝርከብን ብምግላፅ ኩሉ ተወላድን ፈታውን ህዝቢ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ነዚ ተረድኡ ቅልጡፍ ሓገዝ ክገብር ፀዊዖም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *