“ተመዛበልቲ ወገናት ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ናብ መረበቶምን ንቡር ህይወቶምን ክምለሱ ጭቡጥ ስራሕ ምስራሕ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ።” – ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት)።

ዉድብ ውናት ኣብ ዘውፀኦ እዋናዊ መግለፂ ብፍላይ ምስ ምእታው ክራማት ተተሓሒዙ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ወገናት ክፍጠር ዝኽእል ዓንቀፍቀፍ ብኣጋ ንክፍታሕ ብዕቱብ ክስራሕ ፀዊዑ።

ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ቅልጡፍ ፍታሕ ክወሃቦ ውናት ኣተሓሳሲቡ።

ህዝቢ እውን ዘለዎ ናይ ምውዳብ ተኽእሎኡ ተጠቒሙ ተወዲቡ ፀጥታ ከባቢኡ ክሕሉን ባዕሉን ካብ ሓደጋ ክከላኸልን ፀዊዑ’ሎ ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

ኣብ መሬትን መዓድንን ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባር ጠጠዉ ተዘይሉ ስርዓት ኣልቦነት ዘስዕብ ብምዃኑ ኩሉ ነገር ናብ ስርዓት ክኣቱ ይግባእ ኢሉ ውናት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *