ብብርኪ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ዝፀንሐ ገምጋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህ.ወ.ሓ.ት ሎሚ ኣማስዩ ተዛዚሙ።

“ዉድብና ብምድሓን ንመድረካዊ ተልእኹኡ ነብቅዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 19 መጋቢት 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ክሳለጥ ዝፀንሐ ገምጋም ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርርሓ ህ.ወ.ሓ.ት ከተማ መቐለ ኣማስዩ ተዛዚሙ ዘሎ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ’ዩ።

ኣመራርሓ ዉድብ ህወሓት ካብ ህዝባዊ ዉግንናን ዉድባዊ መትከላቱን እናወፀ ናብ ፀገም ካብ ዝኣቱ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ እቶም ኣመራርሓ ካብዚ ንምድሓን ድማ ዝርዝር ኩነታት እቲ ዉድብን ካልኦት ዛዕባታትን ኣብ ዝትንትኑ ዉድባዉን ዞባዉን መበገሲ ሰነዳት ብምድራኽ ዉዕይ ክትዕ፣ ምይይጥ፣ ገምጋምን ምንቅቃፍን ከም ዘካየዱ ተገሊፁ’ሎ ዕላዊ ገፅ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ።

ኣብዚ ንኣስታት 8 መዓልቲ ዝፀንሐ ገምጋም ማእከለዎትን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ህወሓት ከተማ መቐለ ብጠቅላላ 242 ኣመራርሓ ዝተሳተፉ እንትኮኑ ሎሚ ኣማስዩ በዓል 9 ነጥቢ ቅዋም መግለፂ ብምዉፃእ ተዛዚሙ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *