“ብሰንኪ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ፀገምን መከራን ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ እንገብሮ ሓገዝ ዶብ ከይፈለና ሕውነትና ክነጠናኽሮ ኢና።” – ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሃገረ ሲዊዘርላንድ ።

ተወካሊ ኤሬትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ማሕበር ደለይቲ ሰላም ኣይተ ገብረመድህን ብርሃነ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ብማሕበሮም ኣቢሎም ልዕሊ 240 ሽሕ ብር ንዝኣከብዎ ሓገዝ ገንዘብ ንመሐብሐቢ ዝተፀገሙ ወገናትን ህፃናትን ሎላ ድሕሪ ምርካብ ከምዝገለፅዎ ኣብ ፀገምን መከራን ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ንገብሮ ሓገዝ ዶብ ከይፈለና ሕውነትና ክነጠናኽሮ ኢና ኢሎም።

ኣካያዲት ስራሕ ትካል ቤተ ህፃናት ሎላ ወይዘሮ ኤደን ሓጎስ ልዕሊ ሓደ ሚእትን ሓሙሽተን ተሓብሐብቲን ካልኦት ፁጉማት ወገናት ብምሕጋዝ ዝሰርሕ ዘሎ ትካለን ካብ ውሸጢ ዓድን ወፃእን ሓገዛት ዝገበሩ ዘለው ጉዱሳት ተጋሩን ኤርትራውያንን ኣመስጊነን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *