ብሰንኪ ዘጋጥሙ ዘለው ጎነፃዊ ግርጭታት ስዒቡ ኣብ ሕብረተሰብ ዝበፅሑ ዘለው ከበድቲ በሰላታት ንምቕራፍ ሱታፌ ህዝቢ ዘዕዘዘ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግበኦ ተገሊፁ።

ትካል ሰላም ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ንሰብ ሞያ ኣካላት ሚድያ ኣብ ዝህቦ ዘሎ ስልጠና ከምዝሓበሮ ብሰንኪ በብእዋኑ ዝካየዱ ጎነፅ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝበፅሑ በሰላታት ብኣግኡ ንምእላይ ሱታፌ ህዝቢ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ንዚ ንምትግባርን ህዝቢ ንቕሓተ ሕልንኡ ንምብራኽን ግደ ሚድያ ወሳኒ ምዃኑ’ውን እቲ ትካል ወሲኹ ኣፍሊጡ።

#ጋዜጠኛ -ሙሉ ሓድሽ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *