ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ facebook ኣብ ምትእኽኻብን ምትሕግጋዝን ናውቲ ተምሃሮ ዝነጠፈት መሕበር 5.5 ሚልዮን ብር ረኺባ።

05/13/2015 ዓ.ም

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወረደ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃስያ – ህፃናት ተምሃሮ ሰኣን ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንኸይርሕቑ ዓሊሞም ጉዱሳት ወገናት “ዓርሰ ተበግሶ ምትሕግጋዝ ንተምሃሮ ዓድዋ” ዝብል ዉዳበ ብምጥያስ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ (facebook) ዘካየድዎ ጎሶጓስ ፤ 5.5 ሚልዮን ብር ከምዝረኸቡን ብዘተኣኻኸብዎ ገንዘብ ናውቲ ትምህርቲ ብምዕዳግ ን4,500 ተምሃሮ ብሓገዝ ኣከፋፊሎም።

‘ዓርሰ ተበግሶ ምትሕግጋዝ ንተምሃሮ ዓድዋ’ ሐዚ’ውን ብዘዝቐደመ ስርሓ ከይዓገበት ተወሳኺ ሓገዝ ብምትእኽኻብ ሰናይ ስራሕታ ከምተሳልጥ ዋና ፀሓፊ እታ ውዳበ ኣይተ ኣብርሃለይ ተኽለማርያም ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።

#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *