ብልዕሊ 400 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝተዓደጉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ትምህርቲ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ተምሃሮ ተኸፋፊሉ።

23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነባርነቶም ኣባላት ትካል ገባሪ ሰናይ ብሩህ ተስፋን ኣባላት ጉጅለ ኤሞን ብሰናይ ፍቓዶም ንዝዓደግዎ ናዉቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ጣብያ ለምለም ዓረና ንዝርከቡ ተምሃሮ ኣከፋፊሎም።

104.4 ሬድዮ FM መቐለ ንቶም ግዱሳት ወገናትን ምምሕዳር እታ ጣብያን ብምዉካስ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ ብልዕሊ 400 ሽሕ ብር ወፃኢ ንዝተዓደጉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ትምህርቲ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ተምሃሮ እታ ጣብያ ከምዘከፋፈሉ ተፈሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *