ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ትግራይ ወሪዱ ምስ ተመዛበልቲ ተጋሩ ንምዝታይ መደብ ከምዝሓዘ ተሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ተመዛበልቲ ትግራይን ካልኦትን ንምዝታይን ኣብ ግብሪ ንዘሎ ህሞት ንምግምጋምን ዓሊሙ ካብ 18 – 19 ጥሪ 2016 ዓ.ም.ኣብ ዘሎ እዋን ብኣካል ናብ ትግራይ ወሪዱ ዑደት ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶርያ ንዘለው ሃጓፋት ንምዕዛብን ንምግምጋምን ምስ ሲቪክ ማሕበራትን ምስ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ተራኺቡ ከምዝመያየጥ’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ድሕሪ እቲ ዘሳልጦ ዑደትን ዘተን ንዝሓዞ ፀብፃብ ሓዊሱ ኣብ ኩለ መዳይ ውዕል ፕሪቶርያን ኣተገባብርኡን ንዘሎ ሃጓፋት 22 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምምይያጥ መደብ ከምዝሓዘ ጋዜጣ ሪፖርተር ንዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

# ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *