“ቀንዲ ሕቶ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እንታይ ምዃኑ ተገንዚበ’የ።” – መንግስቲ ፈረንሳይ።

ኣምባሳደር ሃገረ ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ምእታዎም ስዒቡ ካብ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ዝርዝር ንዘለው ብድሆታት መብርሂ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ቀንዲ ሕቶ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እንታይ ምዃኑ ተገንዚበ’የ ፤ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ግብሪ ንኽትግበር ድማ መንግስቲ ፈረንሳይ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምዝገብር ሓቢሮም።

ብዛዕባ ዘለው ዓበይቲ ፀገማት ካብ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ እኹል መብርሂ ረኺበን ተገንዚበን’የ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር መንግስቲ ፈረንሳይ ንቶም ዘለው ዓበይቲ ፀገማት ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም።

ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን እግሪ ንምትካልን ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት’ውን መንግስቲ ፈረንሳይ ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ደው ከምዝብል ኣረዲኦም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *