ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብቕልጡፍ ክትግበር ኣለዎ።

29 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝሓተቱ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣብ ድሕረ ገፁ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ብቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ተዘርጊሑ ዘሎ መግለፂ ወሲኩ ከምዝበሎ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ወፃኢ ማለት እውን ብዘይካ ሰራዊት ኢ/ያ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ብህፁፅ ክወፁ ፀዊዑ እዩ ።

ሰብኣዊ ድጋፍ በዘይ ገደብ ናብ ዝተፀገመ ህዝቢ ትግራይ ክኣቱ መሰረታዊ ኣገልግሎታት እውን ክማላእ ኣለዎ ክብሉ ዝገለፁ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢ/ያ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት እውን መፍትሒ ክግበረሎም ኣመላኪቶም ኣለዉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *