ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ ከተማ መቐለ ሪልስቴት ንምህናፅ ቅድም ክብል ሒዝዎ ዝነበረ ውጥን ከምዝጅምሮ ኣፍሊጡ።

14 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ሱር ኮንስትራሽን ዝበፅሖ ዕንወት ከይዓገቶ፣ኣብዚ ፈታኒ እዋን ‘ዚ ኮይኑ ዘሰላስሎም ዘለው ፅቡቓት ስራሕቲ – ትግራይ ብደቃ ክትቅየር ከምትኽእል ዘረጋግፅ ምዃኑ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕሬዚደንት ጌታቸው ነዚ ዝገለፁ ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ ከተማ መቐለ ንዝሃንፆ ሪልእስቴት ሎሚ 14 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘዳለዎ መብሰሪ መድረኽ’ዩ።

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣስዒቦም፣ ናይ ትግራይ ዓቕሚ ናይ ደገ ሃፍቲ ዘይኮነስ፣ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ዝተወደበ ህዝብና ምዃኑ ገሊፆም።

ትግራይ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ኩነታት ኣዐርዩ ዘሕምሞም ኢንጅነራት፣ ሓካይም፣ ካልኦት ሰብ ሞያተኛታትን ሒዝና ትግራይ ንምልዋጥ ብዕቱብ ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ ሰራሕተኛታትን መሪሕነትን ሱር ኮንስትራክሽን እዚ ፕሮጀክት’ዚ ወፃኢ ብዝቑጥብ፣ ስራሕ ዕድል ብዝፈጥር ኣገባብ ኣብ ሓፂር ግዜ ከምዝፍፅምዎ ዘለዎም ልዑል እምነት ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ም/ፕሬዚደንት ጀ/ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፣ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልን ኣባላት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ስብ ሃፍቲ፣ ምሁራን ካልኦትን ተረኺቦም’ዮም ክብል ቴለቪዥን ትግራይ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *