ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ።

29 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ዋላ’ኳ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እንተተካየደ ሰራዊት ኤርትራ ግና ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ጭውያታት ሰለማውያን ወገናትን ፆታዊ ዓመፅን ይቕፅለሉ ከምዘሎ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ ።

ሰራዊት ኤርትራ ብርክት ዝበሉ መንኣሰይ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ጭውያታትን ፆታዊ ዓመፅን ኣጠናኪሩ ብምቅፃል ብፍላይ ኣብታ ብሓይሊ ጎቢጡ ሐዚዎ ዝርከብ ህዝቢ ኢሮብ ንምግላፁ ዝከብድ ግፍዕታት እናፈፀመ ከምዘሎ ኣረዲኡ እዩ ።

ምምሕዳር አታ ወረዳ ከምዝገለፆ እዚ ብባዕዳዊ ሰራዊት ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጭውያታት ኣብ ትግራይ ኲናት ክብ ዝጅመር ንነዘ ከምዝጀመረን ክሳብ ሎሚ ከምዝቀፀለን ብምሕባር ስቓይ ህዝቢ ኢሮብ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እውን እንተኾነ ደው ክብል ኣይካኣለን ናይዚ ቀንዲ ምክንያት ድማ ህዝቢ ኢሮብ ዓዱን መረበቱን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኤርትራ ኮይኑ ይቕፅል ብምህላዉ እዩ ኢሉ።

ሰብኣዊ ሓገዛትን ቀረብ ሕክምናን ናብ ዝተፀገመ ማሕበረሰብ ከይበፃፃሕ ብሰራዊት ኤርትራ እናተከልከለ ስለዝርከብን ድሩት ብምዃኑን ነቲ ኣሰቃቒ ኩነታት የጋድዶ ምህላዉ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመላኪቱ ።

*****************

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *