“ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኢትዮጵያ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ደመቀ መኮነን ካብ ፌደራላዊ መዝነቶም ተላዒሎም።”- ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ።

ማዕከን ዜና ስታንዳርድ ሐዚ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ “ሰበር ዜና” ኢሉ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝፀብፀቦ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ኮይኖም ኸገልግሉ ንዝፀንሑ ደመቀ መኮነን ካብ ክልቲኡ ፀፍሕታት መዝነቶም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ከምዝተልዓሉ ‘ካብ እሙናት ምንጭታተይ ብዝረኸብክዎ መረዳእታ ኣረጋጊፀ’የ’ ክብል ፀብፂቡ።

ንክንፊ ሰልፊ ብልፅግና ኣማሓራ ብምውካል ካልኣይ ምክትል ፕረዚደንት ውድብ ብልፅግና ኮይኖም ካብ ዘገልግልዎ ዝነበረ መዝነት’ውን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝተኣለዩ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ኩለ መዳይ መዝነት ደመቀ መኮነን ብኣይተ ተመሰገን ጥሩነህ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ፁጥታን ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ከምዝትክእዎም ድማ እቲ ጋዜጣ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣተንቢሁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *