ምምሕዳር ከተማ ዓብይ-ዓዲ ን129 ብኽብሪ ንዝተመለሱ ሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን መስርሕን መሸጥን ቦታ ዓዲሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዕደላ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ኣይተ ኣታኽልቲ ፀጋይ ከምዝገለፅዎ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ንምስራሕ ዝተትሓዘ መስርሕን መሸጥን ቦታ ምዕዳል ብትልሚ መሰረት ን129 ተመለስቲ ሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን ንሕድሕዶም 200 ካሬ ሜትር ቦታ ተዓዲሉ’ ሎ ኢሎም።

እቲ ዝተውሃበ መስርሕን መሸጥን ቦታ ንዝትዓለመሉ ዓላማ ጥራሕ ክውዕል ከምዘለዎን ንዘይድለ ህንፀት ምክያድ፣ ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ምሻጥ በቲ ናይ ደኣንት መምርሒ መሰረት ዘይክኣል ምዃኑ ተረዲኦም ብዝኣተውዎ ውዕሊ መሰረት ከልምዑ ከምዘለዎም ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረዲኦም ክብል ርክብን ሓበሬታን ከተማ ዓብይ ዓዲ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *