ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ትካላትን ንዘተኣኻኸቦ ዝተፈላለየ ኣልባሳት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ንዝርከቡ 7,280 ተመዛበልቲ ወገናት ከም ዝተዓደለ ተሓቢሩ።

ነቲ ሓገዝ ዘተሓባበሩ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ማሕበራዊ ጉዳይ ክ/ከተማ ዓይደር ኣይተ ኣሸናፊ ገ/ሄር ከም ዝሓበርዎ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ንዝርከቡ ወገናት ዝተፈላለየ ሓገዝ እናተበርኸተ ከም ዝመፀ ብምዝክኻር እዚ ዓይነት ሓገዝ ግን ፈላማይ ከም ዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሓገዝ ከባቢ 150 ኩንታል ዝተፈላለየ ኣልባሳት ዝተበርኸተ ኾይኑ ንሕድሕድ መራሕቲ ስድራ ካብ 10 ክሳብ 15 ኽዳዉንቲ ከም ዝተዓደለ ተዛሪቦም። እቲ ዝተውሃበ ኣልባሳት ዋላኳ ብኣብዝሓ ናይ ህፃናት እንተኾነ ከም ጅማሮ ዝነኣድን እዚ ሰናይ ተግባር ድማ ቀፃሊ ክከውን ከም ዝግባእ ሓቢሮም’ለው ዕላዊ ገፅ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ከምዝፀብፀቦ።

4545

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *