ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዞባ ማእኸል ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ን192 ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከባ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ንነፍስወከፈን 5 ሽሕ ብር ብሓገዝ ለጊሳ።

አዶ መንበር ማደኣት እቲ ዞባ ወይዘሮ ፍረወይኒ ኣለምብርሃን ንዕላዊ ገፅ ማደኣት ከምዝሓበርኦ ካብ ጉዱሳት ተቐመማጦ ኣመሪካ ላስቬጋስ 900 ሽሕ ብር ከምኡ’ውን ካብ ጉዱሳት ወገናት ተወለድቲ 60 ሽሕ ብር ብሓገዝ ንዝረኸበቶ ገንዘብ ብድምሩ 960 ሽሕ ብር ን192 ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከባ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ንነፍስወከፈን 5 ሽሕ ብር ብሓገዝ ከምዝተውሃበን ሓቢረን።

ንለገስቲ ጉዱሳት ወገናት ምስጋነአን ዘቕረባ ወይዘሮ ፍረወይኒ ኩሉ በብዓቕሙ ዝከኣሎ ንኽገብርን ኣሰር እዞም ጉዱሳት ወገናት ክስዕብን ፀዊዐን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *