ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ጨንፈር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝረኸበቶ ኣስታት 7 ሚልዮን ብር ዝተዓደገ 1,000 ፀሊም ሰሌዳ ን62 ወረዳታት ትግራይ ከምዘከፋፈለት ኣፍሊጣ፡፡

ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትምህርትን ስልጠናን ኣይተ ትርፍነህ ይመር ከምዝገለፅዎ እቲ ዝተኸፋፈለ ፀሊም ሰሌዳ ብሰንኪ ቁሉዕ ወራር ንዝበፅሐን ሃስያ ሓጋዚ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ቁሉዕ ወራር ኣብ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ንዘብፀሐ ከቢድ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ትግራዋይ፣ ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ’ውን ኣይተ ትርፍነህ ወሲኾም ገሊፆም ክብል ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ማልት ናብ 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብዝለኣኾ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *