ማሕበረሰብ ዓለም ዓይኑ ስለዝዓመተ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ገበናት ኲናት ክሳብ ሐዚ ተሓታትነት ኣይተረጋገፀን ።

17 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ሚክ ዋላስ

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ሚክ ዋላስ ኣብ ገፅ ትዊቶሮም ኣብ ዘስፈርዎ መልአክቲ ከምዝበልዎ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ወገናት ዝተፈፀመን ሐዚ እውን ዝቕፅል ዘሎ ገበናት ኩናት ማሕበረሰብ ዓለም ዝህቦ ዘሎ ቆላሕታ ዝታሓተ ብምኻኑ ክሳብ ሐዚ ተሓታትነት ኣይተረጋገፀን ክብሉ ገሊፆም።

ኩሎም ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ማለት እውን ኣሜሪካ ፣ ሩስያ ፣ቻይና፣ ሃገራት ወሽመጥን ሕብረት ኣውሮፓን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢ/ያ ኣብይ ኣህመድ ዕርክነት ከጠናክሩ ይደልዩ ኣለዉ ፤ እዚ ድማ ነቲ ዝተፈፀመ ግፍዒ ተሓታትነት ንከይህሉን ግዳያት ፍትሒ ከይረክቡን ዝገብር ኣካይዳ ይስትውዐል ኣሎ ክብሉ ሚክ ዋላስ ኣረዲኦም ኣለዉ።

ፉሉጥ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቅ ኣፍሪካን ንኩናት ትግራይ ብቀረባ ካብ ዝካታተሉ ኣካላት ሓደ ዝኾነ ሸትል ትሮንቮል ብግድኡ ኣብ ትግራይ ብዘስካሕክሕ መንገዲ 43 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ብጅምላ ፆታዊ ዓመፅን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕትን ከምዝተፈፀመን ሓቢሩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *